ኣብ ሃገርናን ክልልናን ዝሓዝናዮ ልምዓትን ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ዕውት ንምግባር ንፁር ፖሊሲን ስትራቴጅን ተቐሪፁ ኩሎም ስራሕትና ኣብ ምዕሩይ ስርዓት ምሕደራ ዝተመሰረተ ንክኸውን ሰናይ ምምሕዳር ምስ ልምዓት ዘይነፃፀል ቁልፊ ናይ ህልውና ጉዳይን ናይ ዝሓዝናዮ ልምዓታዊ መስመር መለለይን ተግባር እዩ ። ሰናይ ምምሕዳር ናይ ምንጋስ ጉዳይ ናይ ኩሉ ክፋል ሕ/ሰብን መንግስትን ዋኒን እንትኸውን ነዚ ዕውት ንምግባር ኣብ ትልሚ ዕብየትን ስግግርን ዓብይ ኣንፈት ኮይኑ ተቐሚጡ ‘ዩ። ካብ’ዚ ብምልዓል ከም ሃገርን ክልልን ዝለዓለ ትኹረት ተዋሂብዎ ንሰናይ ምምሕዳር ጠንቂ ዝኾኑ ተግባራት ኣብ በቢ ከባቢኡ ተፈልዮም ቓልሲ ብምግባር ንክፍትሑ ፃዕሪ እናተገበረሉ ዝርከብን ዘተባብዕ ውፅኢት ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ እናመፀሉ ዝርከብ እዩ ። ብመሰረት’ዚ ኣብ ክልልና ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ንምንጋስ ብዝተኣታተው ሪፎርምታት ኣቢልካ ዝመፅእን ልምዓታዊን ዴሞክራስያውን ስቪል ሰርቨሰ ዝህነፀሉን መስርሕ ብምካኑ ሪፎርምን ፓኬጃት ሰናይ ምምሕዳርን ንህንፀት ልምዓታዊ ሰራዊት ስቪል ሰርቫንት ዘለዎም ግደን ኣብ በቢ ብርኩ ዘሎ ምንቅስቃስን እንታይነትን ብዝግባእ ብምርዳእ ብሙሉእ ቁመነኦም ብፃልነት ብምትግባር ብቁዕ ግልጋሎት ብምሃብ ኣብ በቢ ብርኩ ዘሎ ሕብረተሰብ ዕግበቱ ንምርግጋፅ ዘክእል ግንዛበን ዓቅምን ንምፍጣር ዝስዕብ መመያየጢ ሰነድ ተዳልዩ ኣሎ ። ኣብ ሃገርናን ክልልናን ዝሓዝናዮ ልምዓትን ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ዕውት ንምግባር ንፁር ፖሊሲን ስትራቴጅን ተቐሪፁ ኩሎም ስራሕትና ኣብ ምዕሩይ ስርዓት ምሕደራ ዝተመሰረተ ንክኸውን ሰናይ ምምሕዳር ምስ ልምዓት ዘይነፃፀል ቁልፊ ናይ ህልውና ጉዳይን ናይ ዝሓዝናዮ ልምዓታዊ መስመር መለለይን ተግባር እዩ ።